ፖሊተክኒክ

ፖሊተክኒክ ድሕሪ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ዚመጽእ ኢዩ፡ ንሱ ንተዮርን ንተግባርን የቀናብሮ፡ ምስቲ ናይ ስራሕ ዓለም ድማ ናይ ቀረባ ምትሕብባር ይገብር።

ኣብቲ ናይ ፖሊተክኒክ ትምህርቲ፡ እቶም ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ምውጣንን ኣብ ምትግባርን ስልጠናታት ንጡፋት ኢዮም። ኣብ ግዜ ኣስተምህሮን ኣብ ፕሮጀክትን ኣብ ግዜ ናትካ ፕራቲክን (LIA) ትረኽቦም ኢኻ።

እቲ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ድሌታት ኣብ ነዊሕ ግዜ ስለ ዚልወጥ፡ እቲ ስልጠና እውን ብኡ መጠን ትሕዝቶኡን ኣንፈቱን ይልውጥ ኢዩ። ገለ ይጅምር ገለ ድማ ይውዳእ፡ ከምዚ መኾኒኡ ድማ ናይ ብቕዓት ጠለባት ስለ ዚለዋወጥ ኢዩ።

እዚ ድማ ንኣኻ ከም ተመሃራይ መጠን፡ ነቲ ስልጠና ምስ ወዳእካ እቲ ናይ ሞያ ፍልጠትካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ እዋናውን ተጠላብን ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ።  

ሓቅታት

  • መብዛሕታኦም ስልጠናታት ኣይክፈሎምን ኢዩ፡ ከምኡውን ኩላቶም ናይ ትምህርቲ ልቓሕ ኣለዎም።
  • ካብ መንጎ 16 ዓይነት ስልጠናታትን ኣማኢት እተፈላለዩ ሞያታትን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።
  • LIA ኪብሃል ከሎ ኣብ ክዉን ኩነታት ህይወት፡ ማለት ኣብ ደገ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኴንካ ትስልጥን ማለት ኢዩ።
  • ፖሊተክኒክ ኣብ መላእ ሽወደን ብብዙሓት እተፈላለዩ ኣዳለውቲ ስልጠና (ኣብያተትምህርቲ) ዝቖመ ኢዩ።
  • እቲ ስልጠና ብብሕታውያን ዋኒናትን ኮሙናትን ወረዳን ዩኒቨርሲቲን/ላዕለዎት ኣብያተትምህርትን ይካየድ።
  • እቶም ስልጠናታት ኣብ ትሕቲ ናይ በዓልመዚ ፖሊተክኒክ መንግስታዊ ቁጽጽርን ደረጃ ግምገማን ኢዮም።
  • ናይ YH-ተመሃራይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ምረቓ፡ ብቐጥታ ስራሕ ይረክብ።

Innehållsförteckning

ከመይ ኢዩ ዚሰርሕ?

መጠየቕታን ምቕባልን

ትምህርታዊ ልቓሕን (Studiemedel) ትምህርታዊ ክፍሊትን (studieavgifter)

ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን

ናይ ሓቂ ዓቕሚ - ነቲ ተመክሮኻ ሕጋዊ ዋጋ (validering) ኣውህቦ

ከመይ ኢዩ ዚሰርሕ?

ኣብ ፖሊተክኒክ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ስልጠና እቲ ተዮሪ ምስ ተግባር ከም ዚቃዶ ኢዩ ዚግበር። እቲ ተግባራዊ ስራሕ ድማ LIA ይብሃል፡ ንሱ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኢዩ ዚካየድ።

ኣብ ግዜ-LIA ንስኻ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዀንካ በቲ ናይቲ ወሃቢ-ስራሕ መምርሒ  ክትስልጥን ኢኻ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ነቲ ኣብ ቤትትምህርቲ ዘጥረኻዮ ፍልጠት ኣብ ናይ ክዉን ስራሕ ብምእታው ብተወሳኺ ተዕብዮ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ኣብቲ ስራሕ ከሎኻ ናይቲ ሞያ ተመክሮን ስልጠናን ትረክብ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ከምኡውን ኣብቲ ናይ ስራሕ ስልጠና ከሎኻ ምስ ብዙሓት ርክብ ይህልወካሞ ድሕሪ ምረቓ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል። LIA ኣብቲ ናይ ስልጠና ሲላበስ ይጥርነፍ ከምኡውን ክትበጽሖ ዘሎካ ምዱብ ናይ ኮርሳት ዕላማ ኣለዎ። ኩሉ ናብ ቅቡል ፖሊተክኒካዊ ዲፕሎማ ዚመርሕ ስልጠና፡ ከምኡውን 400 ናይ YH-ነጥቢ ወይ ዝያዳ ዚጥርንፍ (ምስ ክልተ ዓመት ቀዋሚ ትምህርቲ ይመጣጠን)፡ ናይ LIA 25 ሚእታዊት ኣለዎ። LIA ብኸመይ ከም እተዋቐረን፡ እቲ ተገዲስካሉ ዘሎኻ ስልጠና ድማ ክንደይ ክፋል ናይ LIA ምዃኑን ንምፍላጥ ነቲ ቤትትምህርቲ ተወከሶ።

ደረጃ/ጽፍሒ

ፖሊተክኒክ፡ ድሕሪ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ዚወሃብ ዓይነት ስልጠና ኢዩ። 

ንውሒ መደብ

መብዛሕትኦም ናይ YH-ስልጠናታት ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ዓመታት ይወስዱ።

ናይ ነጥቢ ሲስተም

ናይቲ ስልጠናታት ንውሒ ኣብቲ ናይ ፖሊተክኒክ ነጥብታት (YH-poäng) ተመልኪቱ ኣሎ። ኣብኡ ድማ ሓሙሽተ ነጥብታት ምስ ናይ ሓደ ሰሙን ቀዋሚ ትምህርቲ ይመጣጠን። 100 ነጥብታት ምስ ናይ ፍርቂ ዓመት ቀዋሚ ትምህርቲ ይመጣጠን። 200 ነጥቢ ምስ ናይ ሓደ ዓመት ቀዋሚ ትምህርቲ ይመጣጠን። 400 ነጥብታት ድማ ምስ ናይ ክልተ ዓመት ቀዋሚ ትምህርቲ ይመጣጠን ወዘተ።

ኣብዚ ሰሌዳ'ዚ ናይ ፖሊተክኒክ ነጥቢ ምስ ናይ ዩኒቨሲቲን ናይ ኮለጅን ናይ ነጥቢ ሲስተም ኪዛመድ ከሎ ክትርኢ ትኽእል። እቲ ተጸብጺቡ ዘሎ ነቲ ንውሒ ስልጠናታት ደኣምበር እቲ ስልጠና ምስ ኣየናይ ደረጃ ከም ዚዛመድ ኣይኮነን ዘመልክት ዘሎ።

ንውሒ ናይ ፖሊተክኒክ ነጥቢ ናይ ኮለጅ ነጥቢ
0,5 ዓመ 100 30
1 ዓመ 200 60
2 ዓመ 400 120
3 ዓመ 600 180

 ዲግሪ

እቲ ናይ YH-ስልጠና ናብ ዲግሪ ከብጽሓካ ንኪኽእል፡ እንተ ወሓደ ሓደ ዓመት ኪወስድ ይግባእ። እቲ ስልጠናኻ ናብ ዲግሪ ዘየብጽሕ ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ክንድ'ኡ ናይ ስልጠና ምስክር ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ፖሊተክኒክ ክልተ ዲግሪታት/ዲፕሎማታት ኣለዉ፥

  • ናይ ፖሊተክኒክ ዲፕሎማ/ዲግሪ
  • ብቑዕ/እተመስከረሉ ናይ ፖሊተክኒክ ዲግሪ/ዲፕሎማ

ናይ ፖሊተክኒክ በዓልስልጣን

ናይ ፖሊተክኒክ በዓልመዚ ቀንዲ ዕማም ነቶም ንፖሊተክኒክ ሽወደን ዚምልከቱ ሕቶታት ሓላፍነት ንምውሳድን ከምኡውን እቲ ስልጠና ነቲ ስራሕ ዚጠልቦ ብቕዓት ከም ዘማልእ ንምግባርን ኢዩ። ነቲ ናይ በዓልመዝን ናይ ኣዳለውቲ ስልጠናን ስራሕ ዚቆጻጸር ፍሉይ ሕግን መምርሒን ኣሎ። እቲ በዓልመዚ ነቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ስልጠናታት ብዚምልከት ይቆጻጸርን ንጥርዓናት ድማ ይከታተልን። ንሕና ነቶም ናይ ስልጠናታት ብቕዓት ንግምግም፡ ስታቲስቲክ ነቕርብ፡ ነቲ ናይ ስልጠና ውጽኢት ድማ ንከታተሎ።   

ብዛዕባ ናይ ፖሊተክኒክ በዓልስልጣን ብተወሳኺ ኣንብብ

መጠየቕታን ምቕባልን

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ናይ ብቕዓት መምርሒታት፡ ናይ ምቕባል ቅድመ-ኩነትን ከመይ ጌርካ መጠየቕታ ከም እትቕርብን ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ናብ ፖሊተክኒክ ስልጠና ንምእታው ብቐዳምነት ነቲ መሰረታዊ ናይ ብቕዓት ጠለብ ከተማልእ ይግበኣካ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ናይ 2ይ ደረጃ-ትምህርቲ ወይ ተመሳሳሊ ዲፕሎማ ኪህልወካ ኣለዎ ማለት ኢዩ።

ኣብ ብዙሕ ስልጠናታት ናይ ፍሉይ ዝሓለፈ ወይ ቅድመ ፍልጠት ኣድላዪነት እውን ይጥለብ ኢዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ገለ ፍሉያት ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ኮርሳት ቅቡል ምስክር ወይ ድማ ገለ ናይ ስራሕ ተመክሮ ኪህልወካ ኣለዎ ማለት ኢዩ።  

እተን ኣብያተትምህርቲ ነቲ ናይ ምቕባል መስርሕ የካይዳኦ

ኣብ ፖሊተክኒክ ብዙሓት ናይ ስልጠናታት ኣዳለውቲ (ኣብያተትምህርቲ) ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ስልጠናታቶም ናይ ምቕባል ይቆጻጸሩ። ብዛዕባ መጠየቕታ ምቕራብን ኣብቲ እትደልዮ ስልጠና ንምእታው ድማ እንታይ ቅድመኩነት ከም ዘድልን ንምፍላጥ ኩሉ ግዜ ነቲ ቤትትምህርቲ ብቐጥታ ተወከሶ።

እቲ መወዳእታ ናይ መጠየቕታ ዕለት ብመሰረት ስልጠና ይፈላለ ኢዩ።

እቲ መጠየቕታኻ እንታይ ከማልእ ይግባእ?

ብንጹር እቲ መጠየቕታኻ እንታይ ከማልእ ከም ዘለዎ ካብ ቤትትምህርቲ ናብ ቤትትምህርቲ ካብ ስልጠና ናብ ስልጠና ይፈላለ ኢዩ፡ ግን ኣብዚ ገለ ኣብነታት እነሀዉ፥

  • ደረጃ/ግረይድ
  • ውልቃዊ ደብዳበ
  • ናይ ስራሕ ወረቐት ምስክር
  • ናይ ስራሕ ፈተና

እንታይ ከም ዘድሊ ዚምልከት ንጹር ሓበሬታ፡ ካብቲ ናይ ስልጠና ኣዳላዊ ኢኻ እትረኽቦ።

መሰረታዊ ብቕዓት

ንኹሉ ስልጠናታት፡ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ዲፕሎም ወይ ተመሳሳሊ ኪህልወካ ይግባእ። እቲ መምርሒ ፈኲስ ኢዩ፡ ስለዚ እቶም እተፈላለየ ድሕረባይታን ተመክሮን ዘለዎም ኣመልከትቲ ወይ ጠየቕቲ ነቲ ኪማላእ ዘለዎ ኪፍጽሙዎ ተኽእሎ ኣለዎም። 

ገለ ካብዞም ዚስዕቡ ምስ እተማልእ ኣብቲ ስልጠና ንኽትሳተፍ ብቑዕ ኢኻ፥

  1. ካብ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ካብ ኮሙናዊ ናይ ኣባጽሕ ስልጠና ዲፕሎማ ምስ ዚህልወካ።
  2. ነቲ ኣብ ቁ. 1 ዘሎ ጠለብ ዘማልእ ተመሳሳሊ ሽወደናዊ ስልጠና ወይ ናይ ወጻኢ ስልጠና ምስ ዚህልወካ።
  3. ኣብ ደንማርክ ፊንላንድ ኢስላንድ ወይ ኖርወይ እትቕመጥን ኣብኡ ድማ ናይ ተመሳሳሊ ስልጠና ብቕዓት ምስ ዚህልወካን።
  4. ብመገዲ ሽወደናዊ ወይ ናይ ወጻኢ ስልጠናን ተግባራዊ ተመክሮን ወይ ድማ ብገለ ካልእ ኩነታት ነቲ ስልጠና ንኽትርዕሞ ምስ እትኽእል።

ነጥቢ 4 ብቑዕ ንምዃን ብዘይካ በቲ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ዚውሃብ ወረቐት ምስክር ወይ ነጥቢ ብኻልእ መገዲ እውን ከም ዚከኣል ይሕብር። ኩሉ ሰብ ናቱ ናይ ውልቂ ፍልጠትን ተመክሮን ኣለዎ። ገሊኡ ብወግዓዊ ትምህርቲ ይዕቀብ፡ ንኣብነት ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርትን ናይ ኮለጃትን። ገሊኡ ድማ ካብ ስራሕ፡ ካብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ወይ ኣብ ትርፊ ግዜ እተዋህበ ኮርሳት እተጠርየ ኪኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ናይ ሓቂ ብቕዓት ወይ ዓቕሚ ይብሃል።

እቲ ክትመሃረሉ እትደሊ ዘሎኻ ቤትትምህርቲ ነቲ ሓቀኛ ዓቕምኻ ኪግምግም ኪኽእል ኣለዎ። እቲ ፍልጠትካ ምስቲ ናይ 2ይ ደረጃ ኮርሳት ይመጣጠን ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ እቲ ቤትትምህርቲ እተፈላለዩ ፈተናታት ኪህብ ይኽእል ኢዩ። እቲ ግምገማታት እተፈላለየ ኢዩ። ሓደ ፍሉይ ኣገባብ ድማ ኣሎ፡ ሕጋዊ ዋጋ ምሃብ (validering) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። 

ፍሉይ ዘኻዕበትካዮ ፍልጠት

ኣብ መብዛሕትኡ ስልጠናታት፡ናይ ፍሉይ ቅድመ-ፍልጠት ኣድላዪነት ይጥለብ ኢዩ። እዚ ግን ካብ ስልጠና ናብ ስልጠና ይፈላለ ኢዩ። ምናልባት ካብ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ሓደ ወይ ብዙሕ ናይ ፍሉይ ኮርስ ቅቡል ምስክር ኪህልወካ የድሊ ይኸውን። ንስኻ ብቑዕነት ንኽትረክብ ገለ ስልጠናታታት ካብ ገለ ፍሉይ ናይ ሞያ ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ተመክሮ ይጠልባ። ኣብ ልዕሊ'ቲ ናይ ፍልጠት ኣድላዪነት ድማ ካልእ ኪማላእ ዘለዎ ኪህሉ ይኽእል ኢዩ፡ ንኣብነት ናይ ማኪና ምዝዋር ፍቓድ።

እቲ ተገዲስካሉ ዘሎኻ ስልጠና እንታይ ቅድመኩነት ከም ዘድሊዮ ንምፍላጥ ነቲ ቤትትምህርቲ ተወከሶ።

ንቅድመ-ስልጠና ሕጋዊ ዋጋ ንምሃብ ዘሎ ተኽእሎ

ኣብ ስልጠና ነቲ ፍሉይ ናይ ቅድመ-ፍልጠት (förkunskaper) ጠለብ ከተማልእ ዘይትኽእል ምስ እትኸውን፡ ኣብ ቅድመ-ስልጠና (förutbildning) ኣቲኻ ነቲ ዘድሊ ፍልጠት ክትቀስሞ ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም እዋናውያን ዝኾኑ ስልጠናታት፡ ነዚ ኣብ ትሕቲ '' "Särskilda förkunskaper" '' ዚብል ኣርእስቲ ኣብቲ ስልጠና ተገሊጹሉ ዘሎ ገጽ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ናይ ብቕዓት ኣድላዪነት ናጻ ምዃን

ወላውን ነቲ ወግዓዊ ናይ መሰረታዊ ብቕዓትን ፍሉይ ቅድመ-ፍልጠትን ዘይተማልእ ምስ እትኸውን፡ ንኺቕበሉኻ ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ሰብ ነቲ ስልጠና ኪውድኦን ናብቲ እቲ ስልጠና ዘብጽሖ ስራሕ ድማ ኪሰርሕ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ምስ ዚግምገም፡ እቲ ቤትትምርቲ ሕድገት ኪገብረሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ተገዲስካሉ ዘሎኻ ስልጠና ከምዚ ዝበለ ተኽእሎ ኣሎ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ ብቐጥታ ነቲ ቤትትምህርቲ ተወከሶ።

ናይ ቋንቋ ሽወደን ፍልጠት

ካብ ቋንቋ ሽወደንን ዳኒሽን ፈሮይስካን ኢስላንድካን ወይ ኖርቨጂያን ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ናይ ኣደ ቋንቋ ምስ ዚህልወካ፡ ምእንቲ ነቲ ስልጠና ክትወስዶን ክትውድኦን ናይ ቋንቋ ሽወደን ፍልጠት ኪህልወካ ይግባእ። ነቲ እተጠልበ ፍልጠት ተማእል ምዃንክ ዚውስንን ዚፍትንን እቲ ቤትትምህርቲ ኢዩ።

እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንስኻ ፍሉይ ናብ ሞያ ዘተኮረ ናይ ቋንቋ ፍልጠት ኪህልወካ ይደሊ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ቋንቋ ፍልጠት ንምርካብ፡ ንስኻ ከም ተመሃራይ መጠን ኣብቲ ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን (SMY) ንኽትረክብ ተኽእሎ ኣሎ።

ምምራጽን ምቕባልን

ኣብ ሓደ ስልጠና ካብቲ ቦታ ንላዕሊ ብቑዓት ደለይቲ ምስ ዚርከቡ፡ ምርጫ ይካየድ። እዚ ብኸመይ መገዲ ከም ዚካየድ በቲ ዚወሃብ ስልጠና መሰረት ይፈላለ ኢዩ።

ናይቲ ምርጫ መሰረት ገለ ካብዞም ዚስዕቡ ኪኸውን ይኽእል። ዚስዕብ ወይ

  • ወረቐት ምስክር
  • ፍሉይ ፈተና (ናይ ጽሑፍ ፈተና ወይ ቃለመሕትት)
  • ኣቐዲሙ ዝነበረካ ስልጠና
  • ናይ ሞያ ተመክሮ

እቲ ሕረያ ወይ መረጻ ከመይ ከም ዚካየድ ብዚምልከትን ብኸመይ መገዲ ክትዳሎ ከም ዘሎካን ሕቶ ምስ ዚህልወካ ነቲ ትምህርቲ/ኮርስ ዘዳሉ ቤትትምህርቲ ተወከሶ።

ትምህርታዊ ልቓሕን (Studiemedel) ትምህርታዊ ክፍሊትን (studieavgifter)

ኩሉ ናይ ፖሊተክኒክ ትምህርቲ ካብ CSN ናይ ትምህርቲ ልቓሕ ይህብ ኢዩ፡ ዳርጋ ኩሉ ድማ ብናጻ ኢዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ናይ YH-ስልጠና እቲ ትምህርቲ ኣይክፈሎን ኢዩ፡ ይኹንምበር ገሊኣቶም ናይ ተመሃራይ ክፍሊት ይወስዱ ኢዮም። ኣብ ኩሉ ስልጠናታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ዚግበር፡ ንጽሑፋት ነገራትን ካልእ ናይ ትምህርቲ መሳርሒታትን ባዕልኻ ክትከፍል ይግባእ። ቅድሚ ንትምህርቲ ምምዝጋብካ፡ ነቲ ከጋጥም ዚኽእል ኩሉ ክፍሊታት ኣረጋግጽ።  

ኩሉ ስልጠና ካብ ማእከላይ ቦርድ ደገፍ ትምህርቲ (CSN) ልቓሕ ትምህርቲ ንምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ደገ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዚካየድ ናይ LIA-ግዜ (ትምህርቲ ኣብ ስራሕ) እውን ይጥርንፍ ኢዩ።

ንትምህርታዊ ልቓሕ ዚምልከት ኣብ ናይ CSN ወብሳይት ኣንብብ

ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን

እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ፡ ፍሉይ ናብ ሞያ ዘተኮረ ናይ ቋንቋ ፍልጠት ኪህልወካ ኪጠልብ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ንምኽዕባት፡ ንስኻ ከም ተመሃራይ መጠን ናብ ሞያ ዘተኮረ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን (SMY)ንኺህልወካ ተኽእሎ ኣሎ።

ዕላማ ናይቲ ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ምውሳድ፡ ነቲ እትስልጥነሉ ዘሎኻ ሞያ ጥራይ ዚምልከት ናይ ቋንቋ ፍልጠት ኪህልወካ ስለ እተደልየ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ድሕሪ ትምህርትኻ ዚህልወካ ስራሕ ንምርካብ ከቃልለልካ ይኽእል ኢዩ።

ከምዚ ኢኻ እትገብር

ነቲ ቤትትምህርቲ ተወከሶን ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ከም እትደሊ ድማ ሓብሮ። እቲ ኣዳላዊ ኣካል (ቤትትምህርቲ) ኢዩ ነቲ እተደልየ ስልጠና ቅድመኩነት ዘሎ እንተ ኾይኑ ዚግምግም። SMY በቲ ቤትትምህርቲ ባዕሉ ወይ በቶም እቲ ቤትትምህርቲ ዚቖጽሮም ኣማኸርቲ ኢዩ ዚካየድ። 

እቲ ቤትትምህርቲ፡ ጠለብ ከም ዘሎ ምስ ዚፈልጥን SMY ከዳሉ ከም ዚኽእል ድማ ምስ ዚግምግም፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘድልዩ ሰባት ንምርካብ፡ ናብቲ ናይ ሞያ ኮለጅ በዓልስልጣን መጠየቕታ የቕርብ።

ናይ ሓቂ ዓቕሚ - ነቲ ተመክሮኻ ሕጋዊ ዋጋ (validering) ኣውህቦ

ኣድላዪ ነጥቢ ወይ ወረቐት ምስክር ምስ ዘይህልወካ፡ ነቲ ተመክሮኻ ሕጋዊ ዋጋ ብምሃብ ንስልጠና ዘብቅዓካ ሓደ መገዲ ኢዩ። ንዝሓልፈ ተምክሮ ዋጋ ከም ዚህሉዎ ምግባር ነቲ ክፋል ትምህርትኻ  ዋጋ/ክረዲት ከም ዚህሉዎ ኪገብሮ ይኽእል ኢዩ።

ፍልጠትን ብቕዓትን ብመገዲ ወግዓዊ ስልጠናን (ንኣብነት 2ይ ደረጃን ፖሊተክኒክን ስልጠና) ከምኡውን ብመገዲ ስራሕ፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ወይ ድማ ዘይወግዓዊ ስልጠና (ንኣብነት ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትወስዶ ኮርስ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚህልወካ እኩብን ጭብጣውን ዓቕሚ፡ ሓቀኛ ብቕዓት ኢዩ ዚብሃል፡ ስለዚ ነቲ ፍልጠትካ ሕጋዊ ዋጋ ምሃብ፡ ነቲ ሓቀኛ ብቕዓትካ ክብ ምባል ዚውሰድ ኣገባብ ኢዩ። ንተመክሮ ሕጋዊ ዋጋ ምሃብ ማለት፡ ነቲ ፍልጠትካን ዓቕምኻን ብዝርርብን ብፈተናን ብመዋቅራዊ ኣገባብ ምምዝጋብን ምግምጋምን ማለት ኢዩ።    

ወላውን ወረቐት ምስክር ኣይሃሉኻ፡ ክኢላ ኩን

  • ምስክር ነጥቢ ዘይብልካ ምስ እትኸውን፡ ብኻልእ መገዲ ዘጥረኻዮ ኣድላዪ ፍልጠት ከም ዘሎካ ንምርኣይ ተቐባልነት ምርካብ/ነቲ ተመክሮኻ ዋጋ ዘለዎ ምግባር (validering) ከምኡውን ንስልጠና ብቑዕ ንምዃን ሓደ መገዲ ወይ ሜላ ኢዩ። ኣብ yrkeshogskolan.se  ኣቲኻ ነቲ ስልጠናኻ ርኸቦ ከምኡውን ንተመክሮኻ ሕጋዊ ዋጋ ንኺህበልካ ብማለት ነቲ ናይ ስልጠና ኣዳላዊ ተወከሶ። 
  • ቅድሚ ናይ ሞያ ስልጠና ምቕጻልካ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ትደሊ ዲኻ? ብመጀመርታ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ናትካ ኮሙን ተወከሶ።

ነቲ ዘጥረኻዮ ክፋል ትምህርትኻ ዋጋ ከም ዘለዎ ግበር

ወላውን ንስኻ ካብ ናይ ዝሓለፈ ስልጠና ወግዓዊ ወረቐት ምስክር ዘሎካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ብቕዓትካ ዋጋ ከተውህቦ ትኽእል ኢኻ፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ኣቲኻዮ ዘሎኻ ናይ ፖሊተክኒክ ስልጠና ከም ዝሓጽረልካ ትገብር።

ተወሳኺ ሓበሬታን ቀጻሊ መገድን

ብዙሓት እተፈላለዩ በዓልስልጣናት ኣብ ሕጋዊ ዋጋ ምሃብ ከም ዚነጥፉ ዘክር። ነዚ ዚምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ፥  

ትምህርቲ ሚኒስተር: 

Swedish National Agency for Education (Skolverket)

ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ:

Swedish Public Employment Service (Arbetsförmedlingen)

 

 

The Swedish Council for Higher Education (Universitets- och högskolerådet)

studera.nu

SDG base logo